ሓድሽ ሓበሬታ ይሃልኹም! ንፍስ ወከፍ ኣብ ኖርወይ ዘሎ ሰብ ነቲ መንግስቲ ኣብ www.fhi.no ከምኡ ድማ www.helsenorge.no ብዛዕባ ኮረናቫይረስ ኣውጺእዎ ዘሎ ኣገዳሲ ሓበሬታን ምኽርን ኸንብቦ ኣለዎ። እዚ ምኽሪ እዚ ብቐጻሊ ይሕደስ እዩ።። እቲ ሓበሬታ ብኽልቲኡ ማለት ብቛንቋ ኖርወይን እንግሊዝን ይርከብ። ዝኾነ ንምርድኡ ዝኸብደኩም ነገር እንተ ረኺብኩም፡ ብጃኹም ንእትፈልጥዎ ሰብ ክሕግዘኩም ሕተቱ።